መዓልቲ ሕብረት ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዓልቲ ሕብረትን መዛዘሚ ህንፀት ግድብ ህዳሰን ዝጠመተ መድረኽ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ተሳሊጡ።

“ብዙህነት ፅባቐ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተሰናደአ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ሪያድን ከባቢኣን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ተረኺቦም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ሙክታር ከድር (ዶ/ር)፥ “እነኽብሮ ታሪኻዊ በዓል ብፅንዓት መንግስትናን ሀዝብናን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛም ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ” ኢሎም።

ብዙሕነት ፅባቐ ብምዃኑ እቲ ፀጋ ብምጥቃም ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ፍቓድ መንበሪ ዝተበላሸዎምን ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝደሊዩን ዜጋታት ብዘይቅፅዓት ምምላስ ንክኽእሉ እቲ ኤምባሲ ንመንግስቲ እታ ሃገር ሕቶ ምቕራቡ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ንውሱናት እዋናት እቶም ዜጋታት ካብታ ሃገር ምውፃእ ንክኽእሉ መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብ ከምዝፈቐደ ሓቢሮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment