ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉመን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዓልቲ ሕብረት “ብዙሃነት ፅባቐ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።
ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝኽበር ኣብ ዘሎ እቲ መዓልቲ ዝተረኸባ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱርሁማን፥ ዜጋታት ብሓድነት ደው ብምባል ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ብምስረሖም ከም ሃገር ልዑል ውፅኢት ልምዓት ተረኺቡ ኢዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃፍቲታትን ክብሪታትን ዘለዋ፣ ብሓባር ብምንባር ዝፍለጡ ሀዝብታት መበቆል ከምዝኾነት ተዛሪበን።
ንኹሉ እትኸውን ኢትዮጵያ ምፍጣር ተኻኢሉ ኢዩ ኢለን።
ሓደ እንትንከውን ዝሓሸ መግባር ንኽእል ኢና ብምባል፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ብዙሓት ውፅኢታት ልምዓት ከምዝተረኸቡን ኣብ ዓለም ፅዕንቶ ምፍጣር ከምዝተኽኣለን ሓቢረን።
ብብርሃኑ በጋሻው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!