መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ልዑል ግደ ኣለዎ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 26፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምኡ’ውን ምትእስሳር ህዝብታት ንምጥንኻር ልዑል ግደ ክህልዎ እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።

መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኮሚቴ መተሓባበሪ ኣብ መሪሕ ውጥን እቲ በዓል ዝምልከት መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ በዓል ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ተመኩሮኦም፣ ልምዶምን ባህሎምን ንኽለዋወጡ፣ ዲሞክራስያዊ ሓድነቶም ንኽጠናኸሩ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

ንዘላቒ ሰላም፣ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕቤትን ንኽሰርሑ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነትን ምትእስሳርን ንኽህሉ ኣብ ምግባር ዓብዩ ግደ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ዓበይቲ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ውፅኢታት ንኽመዝገቡ፣ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ብትኩረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

መፃኢ በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ሃገራዊ ዘተን ሓዊሱ፣ ቀፃሊ መንገዲ ሃገርና ዘፅረዩን ናብ ሓድሽ ተስፋን ምዕራፍን ዘሰጋገሩን ሃገራዊ ፍፃመታት ድሕሪ ምክያዶም ዝኽበር በዓል ብምዃኑ፣ ፍሉይ ትርጉም ክህልዎ እዩ ኢሎም።

መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ስርዓት ገዳ ሓዊሱ ብዙሓት ታሪኻውን ባህላውን መስሕባት ዝውንን ህዝብታት ተኸባቢሮም ዝነብሩላን መርኣያ ብዙሕነት ዝኾነትን ከተማ ጅማ ክልል ኦሮሚያ ክኽበር እዩ።

Comments (0)
Add Comment