ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ኣብ ከተማ ሆሳኢና ይኽበር ኣሎ።
“ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ነህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኸበረ ዘሎ እቲ በዓል፥ ቀደማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ርእሳነ ምምሕዳራት፣ ከንቲባ ምምሕዳራት ከተማን ተረኺቦም።
ኣመራርሓ ክልል፣ ዞባ፣ ዝተፈላለዩ መሓዉራት መንግስቲ፣ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።