መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ኩለን መፈተኒ ማእኸላት ምሃብ ከምዝተጀመረ ኣገልግሎት ምዘና ትምህርቲን ፈተናታትን ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር)÷ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ሎሚ መዓልቲ ብኦንላይንን ብወረቐትን እናተውሃበ ከምዝርከብ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

ኣብ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ብተፈጥሮ ሳይንስን ማሕበራዊ ሳይንስን ብሓፈሻ 608 ሺሕን 588 ተምሃሮ ፈተነኦም ከምዝወስዱ ኣልዒሎም፡፡

ብኣርባዕተ ዙር ኣብ ዝወሃብ ፈተና 140 ሺሕ ዝኾኑ ተምሃሮ ፈተናኦም ብኦንላይን ከምዝወስዱ ገሊፆም፡፡

ተምሃሮ ንፈተና ዝተኸልከሉ ነገራት ክሕዙ ክዘይብሎም ዘተሓሳሰቡ (ዶ/ር) እሸቱ ÷ ፈተናኦም ተረጋጊኦም ክፍተኑ ከምዘለዎም እውን ምዒዶም፡፡

ኣብ ዝሓፉ መዓልቲታት ተፈተንቲ ተምሃሮ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ናብ መፈተኒ ማእኸላት እናኣተዉ ምፅነሖም ኣዘኻኺሮም፡፡

ሃገር ለኸ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ እዚ ዓመት ካብ 23 ሰነ ጀሚሩ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment