መዝገበ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝሓዘ መፅሓፍ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዝገበ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብቋንቋ ኣምሓርኛን ብኢንግሊዝኛን ዝሓዘ መፅሓፍ ሎሚ መዓልሪ ተመሪቑ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንትኣካዳሚ ሳይንስ ኢትዮጵያ በላይ ካሳ (ፕ/ር)፣ ምሁራንን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

‎‎በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ መፅፍ በቢእዋኑ እናዓበየን እናተመሓየሸን ዝኸይድ ዘበን ተሳጋሪ ስራሕ ኢዩ።

‎ሳይንሳዊ ፍልጠት ብቋንቋ ውሽጢ ሃገር ብምትርጓም ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣብሪሆም።

‎ኣብ ቀዳማይ ሕታም ልዕሊ 11 ሺሕ ቃላት ሳይንስን ቴክኖሎጂ ስያመ ተመዓራረይቲ ቃላት ንመሃብ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ብሃይማኖት ወንድራድ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment