ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መድረኽ ብሰለስተ ጉጅለታት ተኸፋፊሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኮሚሽን ሃራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ምጅማሩ ይፍለጥ።
እቲ ናይ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ መድረኽ ሎሚ ይሳለጥ ከምዘሎን፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ማሕበራት፣ ትካላት፣ ፍሉጣት ውልቀሰባት ድማ ብጉጅለ ዘተ ኣጀንዳታቶም ኣብ ምጥንኻር ይርከቡ።
ብጉጅለ ዘተ ዝተጠርነፉ ኣጀንዳታት ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ ቀሪቦም ሓሳባቶምን ርኢቶኦምን ሓዊሱ ክፅድቑ እዮም።