ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ሰላም ኩሉ ግዘ ንኹሉ ተዓዋቲ ዝገብር ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ሰላም፡፡
እቲ ሚኒስቴር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖን (ኣፋህድ) ዝበሩዎ ስምምዕነት ሰላም ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
መገዲ ሰላም ጉሉ ግዘ ንኹሉ ተዓዋቲ ይገብር!
መንግስቲ ንዘጋጠሙና ፀገማት ዘተን ዝርርብን ብሕታዊ ኣማራፂ መገዲ ከምዝኾኑን ነዚ ድማ ቆራፅ ከምዝኾነን ብተደጋጋሚ ኣርኢዩ ኢዩ።
ኣቐዲሞም ኣማራፂ ሓይሊ ተጠቒሞም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊታት እዚ ኣማረፂ ሰላም ብምምራፅ ናብ ሰላማዊ መገዲ እንትመፅኡ መንግስቲ ልዕሊ ፍርቂ ርሕቐት ከይዱ ብምቕባል ቆራፅነቱ ኣርኢዩ ኢዩ።
እዚ መገዲ ኣብ ሃገርና ሰላም፣ ፍትሓዊን ሓበራዊ ተረባሕነትን ዘረጋግፅ ስርዓት ንምህናፅ ዘኽእል ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ እውን መንግስቲ የኣምን።
በዚ ሓፈሻዊ መገዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀዲሞም ኣማራፂ ሓይሊ ተጠቒሞም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣካላት ኣማራፂ ሓይሊ ንህዝብና ሰላምን ንሃገርና ብሄራዊ ረብሓን ድሕንነትን ረብሓ ከምዘይብሉ ብምእማን ናብ ሰላማዊ መገዲ ብምምፃእ ድፍረት ዘለዎ ውሳነ ገይሮም።
እዚ ኣማራፂ ሰላም ንኹልና ተዓወትቲ ዝገብር ከምዝኾነ ብምእማን ሚኒስቴር ቤት ዕዮና ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ንህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖ (ኣፋህድ)ን ንዝወሰዱዎ ቆራፅ ስጉምቲ ዘለዎ ናእዳ በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፈቱ።
ብኻሊእ መዳይ ሕዚ እውን እንተኾነ ሕቶ ዘለዎ ኣካል ሕቱኡ መልሲ ንምርካብ ብሕታዊ መፍትሒ ንኹሉ ተዓዋቲ ዝገብር ዝርርብን ልዛብን መሰረት ዝገበረ መገዲ ሰላም ከምዝኾነ ብምእማን ግዘ ዝሓለፎ ናይ ሓይሊ ኣማራፂ ብምጥቃም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ተመሳሳሊ መገዲ ሰላም ንኽመርፁ ሚኒስቴር ቤት ዕዮና ፃውዒቱ የቕርብ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!