መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት2017 ዓ.ም ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝበሉዎ÷ እቲ መገዲ ኣየር ዘበኑ ዝጠልቦ ዘተኣማምን ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።

ኣብቲ ዓመት 6 ዓለም ለኸ ጣቢያታት ምኽፋት ዝኸኣለ እቲ መገዲ ኣየር፥ 13 ዝተፈላለያ ኣውሮፕላናት ናብ ስራሕ አእቲዩ ኢሎም።

ኣብ 2017 በጀት ዓመት 19 ሚሊየን መገደኛታት ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝተጓዓዓዙ እውን ተዛሪቦም።

ካብ መገደኛታትን ኣገልግሎት ፅዕነት ኣቑሑን 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣመልኪቶም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment