ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም መብርሂ ክህቡ ኢዮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ሰርቪስ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እዚ ዓውዲ ቱሪዝም፣ ትራንስፖርት፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ኣገልግሎት ንግዲን ቴክኖሎጂን ዘካተተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓመት ሰርቪስ ብ8.1 ሚኢታዊ ዕብየት ንከረጋግፅ ትልሚ ምትሓዙ እውን ገሊፆም።
ዓውዲ ኣገለግሎት ብዝተዋደደ መገዲ እንተተሰሪሑሉ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ክሽከም ዝኽእል ጉልበት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።
ንኣብነት ሎሚ ዘበን ልዕሊ 150 ዓለም ለኸ ኮንፈረንሳት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።
ኣስታት 1.3 ሚሊየን ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝሃወፁ ብምግላፅ፥ ናይዚ ቀንዲ ምኽኒያት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኢሚግሬሽን ጀሚሩ ሓደሽቲ ፓርክታት ኣብ ምህናፅን ካሊእን ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተሰርሐ ልምዓት ኮሪደር፣ ህንፀት መስሕብ ሃወፅቲ፣ ፓርክ ኣንድነት፣ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ፣ ሙዚየም ሳይንስን ፓርክ ሕውነትን ጥራሕ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ከምዝሃወፅዎም ኣብሪሆም።
እዚ ድማ ፍርቂ ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበሉ ተዛሪቦም።
የኮሪደር ልማቱ፣ የምስህብ ስፍራዎች ግንባታ፣ አንድነት ፓርክ፣ ብሔራዊ ቤተመንግስት፣ ሳይንስ ሙዚየም ወዳጅነት ፓርክ ብቻ 1 ነጥብ 5 ሚሊዮን ሰዎች ጎብኝተውታል።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት 13 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ከምዝዓደገ ብምግላፅ፥ ብድምሩ 180 ኣውሮፕላናት ብምውናን ልዕሊ 19 ሚሊየን ሰባት ከምዘጎዓዓዘ ኣብሪሆም።
ሽዱሽተ ሓደሽቲ መብፅሒ ቦታታት ከምዝወሰኸ እውን ገሊፆም።
ዓውዲ ሴርቪስ ብቱሪዝም፣ ትራንስፖርትን ካሊእን ዕብየት ከምዝተረጋገፀ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።
ሬሚታንስ 7 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ድማ 4 ቢሊየን ብር ምብፅሑ ተዛሪቦም።