ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ቻይናዊት ከተማ ቼንዱ ሓዱሽ በረራ ካርጎ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ።
እቲ ሓዱሽ በረራ ካርጎ፤ ኣብ መንጎ ደቡብ ምዕራብ ቻይናን ኣፍሪካን ሓዱሽ መስመር ትራንስፖርት ካርጎ ዝኸፈተ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብ ሞንጎ ምዕራብ ቻይናን ኣፍሪካን ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንግዲ ዘጠናኽርን ዝሕግዝን ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር የመላኽት።