ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሰባት ኣጓዓዒዙ ኢሎም ቀዳናይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን፥ ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣልዒሎም።
ኣብ እዋን ለውጢ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓመት ብማእኸላይ 8 ሚሊየን ሰባት የጓዓዕዝ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ጥራሕ 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሰባት ኣጓዓዒዙ ኢሎም።
ኣብዚ ዓመት ብውሑዱ 22 ሚሊየን ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ምዕዋት እንተተኻኢሉ ኣብ እዋን ለውጢ ካብ ዝነበረ ልዕሊ ክልተ ዕፅፊ ከምዝዓቢ ተዛሪቦም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብቑፅሪ፣ ብመብፅሒታት፣ ብከስቢ፣ ብዘጓዓዕዞም ሰባት ወሲኹ ኢዩ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
ብሶስና ኣለማየሁ