ንሕና ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 30 ሓምለ ክሳብ 2 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየድናዮ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ዞባዊን ሃገራዊን ጉዳያት ብዝርዝር ተዛቲና።
ቤት ምኽሪና ሕዚ ኣብ ዘሎ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝኽበረሉ መገዲ ተመልኪቱ ኢዩ፡፡ ብመገዲ ምድማር ናብ ብልፅግና ንምብፃሕ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ እውን ገምጊሙ ኢዩ።
ኣብ ዓለምና እናተፈጠሩ ዝርከቡ ጂኦ ፖለቲካዊ ኩነታታት ንሃገርና ዕድልን ፈተና ሒዞም ከምዝመፅኡ ዝተመልከተ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ፈተናታት ብምስጋርን ዕድላት ብምጥቃምን ብዝበለፀ ረብሓ ሃገርና ብዛዕባ ነሕልወሎም ሜላታት ብስፍሓት ተዘራሪቡ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኢዩ።
ከምዝፍለጥ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ዘጋጠመና ኲናት ብዓወት ዛዚምና ኢና። ብዓወት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ወታደራዊ ዓወትና ብፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ዛዚምና ኢና። ይኹን እምበር ይደልዩዎ ዝነበረ ዝተናወሐ ኲናት በቲ ስምምዕነት ዝተዓናቐፎም ፀላእትና ካልኦት ሜላታት ናብ ምፍታን ኣቲዮም ኢዮም።
ዋላ እኳ ከምዝሓሰቡዎ እናኸነሎም ኣይኹን እምበር፣ እዞም ኣካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝንቀሳቐሱ ፅንፈኛታት ብምጥቃም ናይ መንግስቲ ሓይሊን ሓድነት ህዝቢን ንምክፍፋል ፃዕሪ ምግባሮም ቀፂሎም ኣለዉ። ብመሪሕነትን መተሓባባራይነትም ታሪኻዊ ፀላእትና፣ ብሓደ ሓደ ባንዳ ፅንፈኛታት መሳርሒ ምዃንን ሎሚ እውን ፀላእትና ናይ ኲናት ሃንቀውተኦም ጠጠው ኣይበለን።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፀላእትና ሓድነት ህዝቢን መንግስቲን ንምፍትታን ክልተ መገዲታት ተጠቒሞም ነይሮም። እቲ ሓደ በቢከባቢኡ ጎንፂ ምብዛሕ እንትኸውን፣ እቲ ካልኣይ ድማ ብዲጂታል ሚዲያ ንመንግስቲ ምፅላም ኢዩ። ነገር ግን ብክልቲኦም ወፍሪታት ከምዝሓሰቡዎ ኣትራፊ ክኾኑ ኣይከኣሉን። ንኢትዮጵያ ናይ ምድኻም ዕድሎም እናፀበበ ይርከብ። ኣብ ዘለናዮ ክንመክኽ ንኽእል ኢና ዝብል ስግኣቶም ወሲኹ ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለና ትውልዲ፣ ካብ ታሪኻዊ ስብኻትናን ዓለም ለኸ ነባራዊ ሓቂን ተማሂርና ኢና። ከም ቀደም ብዝተኸፈተልና ኣብ ክንዲ ምፍሳስ፣ ብሄራዊ ሓድነትናን ትካላዊ ዓቕምናን ንምጥንኻር እናሰራሕና እንትንከውን እዚ ድማ ተቓላዕነትና ኣዚዩ ነክዩዎ ኢዩ። ማሕለኻታት ተፃዊሩ ብሄራዊ ራኢና ምዕዋት ዝኽእል ብሄራዊ ዓቕሚ ምህናፅና ክቕፅል ኢዩ።
ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓዱሽ ሜላና ሰላማዊ ዕድላት ፖለቲካ ፀንቂቑ ዝጥቀም ኢዩ። ሕለኻታት ኣብ ዘበርትዑዎም ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት፣ ብኹሉ መዳይ ዓወት ኣመዝጊብና ኢና። ብፍላይ ድማ ኣብ ሰለስተ ብሄራዊ ኣጀንዳታት ተወሳኺ ለውጢ ኣምፂእና ኢና፡-
- ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢታት ብማሕለኻታት እንተይተበድሁ በሪኾም ኢዮም። እዚ ድማ ውሽጣዊ ተቓላዕነትና ብምፅባብ፣ ንባንዳታት ቦታ ኣስኢኑ ኢዩ።
- ኣብ ልዕሊ ኣባይ ግቡእን ሕጋዊን ተግባር ብምውጋን ኣብቲ ዞባ ጂኦስትራቴጂያዊ ቁመናና ለዊጥና ኢና።
- ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻኻ መሳልና ዓለም ለኸ ኣጀንዳ ገይርና ኢና። በዚ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረናን ጂኦስትራቴጂያዊ ቁመና ንምምላስ ልዕሊ ሓደ ምዕራፍ ሰጒምና ኣለና።
ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ለውጢታትና ብማሕለኻታት እንተይተዓገቱን እንተይተወሓጡ ብዓወት እናሰጎሙ ይርከቡ፡፡ ንውሽጣዊ ተቓላዕነትና መበገሲ ምዃኖም ተሪፉ፣ ናብ ብሄራዊ ዓቕሚ ተለዊጦም ኢዮም። ውሽጣዊ ነቓዓት ብስንቃር እናስፍሑ፣ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብምሕባር ንኢትዮጵያ ንምውጋእ ንዝተሓባበሩ ባንዳታት፣ ብሄራዊን ብሄረሰባዊን ኣጀንዳ ኣስኢንናዮም ኢና። ፖለቲካና መንነት ካብ ዘጫርት ዕዳጋ ፖለቲካ ክወፅእ ገይርናዮ ኢና። ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ተመስሪቱ ብልፅግና ኣብ ዘረጋግፅ መገዲ ሓንፂፅና ኢና።
ብሓደ ወገን ብዝጀመርናዮም ትካላዊ ሪፎርምታትን መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ውሽጣዊ ዓቕሚ ሃገርና ኣጠናኺርና ኢና። ብኻሊእ መዳይ ድማ ቅኒት ጂኦፖለቲካ ብዝግባእ ብምግንዛብ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ኣኽቢርና ኢና።
ኢትዮጵያ ብዘይ ጥርጥር ትብርኽ ኣላ። ብዓይኒ ሪኢኻ፣ ብኢድ ነኺእኻ፣ ብሓበሬታ ኣኻኻ፣ ኣብ ባይታ ወሪድካ፣ እዚ ሓቂ ምርግጋፅ ይከኣል ኢዩ። ካብ ሃገራዊ ክሳብ ዓለማዊ መድረኻት ነዚ ዓወት ሚልዮን ምስክራት ኣለዉ። እዚ ግን ንታሪኻዊ ፀላእትናን ንተለኣኣኽቶምን ዝወሓጥ ነገር ኣይኮነን። ነዚ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ መገዳ ንምትራፍ ናይ መወዳእታ ፈተነ ኣብ ምግባር ይርከቡ።
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ፈተነኦም ሽዱሽተ ሜላታት ንምጥቃም ከምዝተበገሱ ቤት ምኽሪና ገምጊሙ ኣሎ። ክቃተሉ ዝደልዩ ሓይሊታት ብረብሓ ምትእስሳር፤ ንኢትዮጵያ ኣብ ናዕቢ ክትፀንሕ ምግባር፤ ብፀገም ሰናይ ምምሕዳር ዝተበገሰ ዝፍጠሩ ቅሬታታታት ህዝቢ ንዓመፅ ምጥቃም፤ ነስሓ ዝቕስቅሱ ኣጀንዳታት ምግዋሕ፤ ሚዲያታት ናዕቢ ዝቕስቅሱ መሳርሒታት ምግባር፤ ከምኡ እውን ኣብ ሸርፊ ወፃኢን ሸቐጣትን ኢኮኖሚያዊ ሽርሒ ምስራሕ ኢዮም።
እዚ ናይ ታሪኻዊ ፀላእትና ናይ መወዳእታ ፈተነ ንመወዳእታ ግዘ ንምምካን ንሕና ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ብቃልን ብተግባርን ድሉዋት፣ ቆራፃትን ውፅኢታዊን ክንከውን ከምዘለና ተገንዚብና ኢና። ብቐንዱ ድማ ኣብ ዝስዕቡ ሸውዓተ ጉዳያት ትፅቢት ካብ ዝግበረልና ንላዕሊ ንምውጋን ቆሪፅና ተላዒልና ኣለና።
- ጎንፂ ከትርፉ ዝኽእሉ ሰላማዊ ኣማራፂታት ብኹሉ ኣንፈት ንምፍታንን ብሰላማዊ መገዲ ንምቅላስ ንዝወሰኑ ዕጡቓት ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ምግባር፤
- ኣማራፂ ሰላም ብዘይምቕባል ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ንብረት ሃገርን ፀግ ንምፍጣር ኣብ ልዕሊ ዝተልዓሉ ሓይሊታት ብዝተጠናኸረ መገዲ ሕጊ ንምኽባር፤
- በቢብርኩ ዝለዓሉ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር፣ ፍትሒን ኢኮኖሚን ብመጠን ዓቕሚ ኢትዮጵያ በቢብርኩ ንምምላስ፤
- ግቡእን ሓቀኛን ሓበሬታ በቢግዚኡ ንህዝቢ ንመሃብን ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንምቅላዕ፤
- ኣብ በቢትካላት ተመዲቦም ጉድለት ዲሲፕሊን፣ ግዕዝይና በደል ምምሕዳርን ዘብፅሑ መራሕቲ ስራሕን ኣገልገልቲን ንምቅላስ፤
- ኣብ ሕርሻ፣ ኣድረይቲ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ዕዉታት ኣብ ምግባር ዝተጀመሩ ኢኒሼቲቫት ንውፅት ብምብቃዕ፤ ተሳትፎ ህዝቢ ብዘረጋገጠ መልክዑ ትራንስፎርሜሽን ከተማን ገፀርን ንምርግጋፅ፤
- ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ብሄራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ብኹሉ መገዲ ንምኽባር፤ ኣብ ምርድዳእ በፂሕና።
ብሓፈሻ ንሕና ኣባላት ቤት ምኽሪ ብልፅግና፣ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ካብቲ ዝተተለመሉ እዋን ብቕልጡፍ ንክዕወት “ምምካት፣ ምትጋህን ምፅራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቀፃሊ ተግባራት ንምክያድ ወሲንና፡፡
ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ክዕወት ከምቲ ልሙድ ክንሰርሕ ኢና። ንጉዕዞ ብልፅግናና ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣተሓሳስባታት፣ ባህልታት፣ ልምድታት፣ ጕጅለታት ጥፍኣትን ባንዳታትን ድማ ተጊህና ክነፅርዮም ኢና፡፡
ንሕና ንፈትዋ ሃገር፣ ደው እንብለሉ ሃገራዊ ዕላማን ሕልምን ኣለና። እነገልግሎ ህዝቢ ኣለና። እንሃንፆ ሃገር ኣለና። እነኽብሮ ብሔራዊ ረብሓ ኣለና። ፀላኢ እውን ነዚኦም ኩሎም ምጥፋእ፣ ምፍራስን ምትዕንቃፍን ይደሊ፡፡ ምልማዕ፣ ምህናፅን ምፅናዕን፤ ካብ ምጥፋእ፣ ምዕንቃፍ ንላዕሊ ሓይልን ትግሃትን ይሓትት፤ ምዕንቃፍን ምፍራስን ንላዕሊ ዓቕሚን ትግሃትን ይሓት።
ዓወትን ኢትዮጵያን ዝተኣሳሰሩ እዮም። ኮይኑ ግና ኩሉ ዓወታት ዝዓቢ ዓወት ኣሎ። እቲ ዓወት ብውሑድ ኪሳራ ንምርግጋፅን ምስ ዘላቒ ውፅኢት ብምትእስሳር እዩ። ካብ ኩሉ ዝዓበየ ዓወት ዓወት ጥራሕ ዘይኮነስ ስትራተጂካዊ ዕላማ እውን ምርግጋፅ እዩ። ዘላቒ ዓወት ማለት ንውሽጣዊ ባንዳታት ጥራሕ ዘይኮነስ ንደጋዊ ፀላእቲ እውን ብስትራተጂካዊ መንገዲ ምስዓር ማለት እዩ።
ብልፅግና ብዙሕ ሓርበኝነት ይሓትት እዩ። ናይ ደም ጥራይ ዘይኮነስ ረሃፅ እውን ዝሓትት እዩ። ሓርበኝነትን ድልውነትን ታሪኽ ሃገር ይቕይር። ንሕና ኣባላት ቤት ምኽሪ ብልፅግና ንሕና ተጊህና ንህዝቢ ንምትጋህ ተላዒልና ኢና፡፡ ንህና ፀሪና ህዝብና ክነፅሪ ወሲንና፡፤ ከም ኣመራርሓ ሓርበኝነት ብዓቕምና ክንቃለስ ቆሪፅና፡፡ ኣመራርሓ ብልፅግና ኢኮኖሚ ናይ ቅድመ ግንባር ተዋጋኢ እዩ። ንህዝቢ የተሓባብር። ኣብ ግንባር ኮይኑ ይቃለስ። ንመከላኸሊኡ ድማ የሐይል። ንሕና ድማ እዘዙይ ከም ኩሉ ግዘ እንገብሮ ቃልና ክነሕድስ ኢና።
ዘመንና ብዙሕ ስራሕቲ ዝሓትት እዩ፡፡ ዓለም ትቀያያሪትን ብዙሕ ቅልውላዋትን ኣለዋ። ሃገርና ዝተፈላለየ ህዝባዊ ድሌታትን ፀገማትን ኣለዋ። ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ረበሽቲ ሓይልታት ትፍተን እያ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜን ኩነታትን ኣመራርሓ ዝተፈላለየ ክእለትን ፃዕርን ከም ዝሓትት ንርዳእ ኢና።
ታሪኻዊ ፀላእትናን ውሽጣዊ ባንዳታትን ንኢትዮጵያ ንምድኻም ቆሪፆም ተላዒሎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ብሓደ ወገን መጥቓዕቲ ንምክላኻል፤ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ሽቶናንን ዕላማናን ምትግባር ከምትግባር ከምዘድልየና ወሲንና፡፡ በቢ ብርኩ ዘለው ኣመራርሃታት ብሓደ ግዘ ብዙሕ ተግባራት እንፍፅመሉ ክኸውን ከምዘለዎ ዝተረዳደእና እንትኾን፤ ፀላእ እናተኸላኸልና ሰላም እናዓቀብና ካብ ልምዓት ክንዕንቀፍ የብልናን።
ብልፅግና ብዙሕነትና ዘኽብር፤ ንሓድነትና ዘተኣሳሰረ ፓርቲ እዩ። ካብ ትማሊ ተማሂሩ ዝሓሸ ፅባሕ ዝሃነፅ ያታ ዝሓዘ ፓርቲ እዩ። ብፀላኢ ኣፍራሲ ያታታ ንምቅላስ ናትና ያታ ንምክፋል ዲጂታል ሓርበኝነት ብዝግበኣና ልክዕ ክንጥቀም ኢና፡፡ ፀላኢ ሓድነት ሃገር ንምፍራስን ብልፅግና ንምትዕንቃፍን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ሒዙ ተላዒሉ ኣሎ። መንነትና ዝተኣሳሰረሉ ራእይናን ዝሓዘ ያታ ንህዝቢ ንምክፋል ሓርበኛ ክንከውን ወሲንና።
ንህዝቢ እናማረሩ ዘለው ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘለዉ ፀገማት ንምትራፍን ዕግበት ህዝቢ ንምዕባይን ብትኹረት ክንሰርሕ ኢና። ምንጪ ቅርታ ህዝቢ ብምልላይ ክንፈትሖም ኢና። ህዝባዊ ቅርታታት ብምስማዕ፣ ብምውጣንን ብምክትታልን ብቕልጡፍ ምላሽ ክንህብ ክንፅዕር ኢና። ህዝባውን ብሄራውን ዝኾነ ዕላማታትና ዝዕንቅፉ ውሽጣዊ ፀላእቲ ክነፅሪ ኢና፤ ብሄርተኝነት ክነፅሪ ኢና፤ ስርቂ ንምጥፋእ ክንቃለስ ኢና፡፡ ከምኡ እውን ጥዑይ ምንቅስቓስ ሽቀጣ ሸቀጥ ጥዕና ንምርግጋፅ፤ ኣብ ኢኮኖሚ ዕንወት ዘስዕቡ ዘለዉ ናይ ደገን ውሽጥን ፀላእቲ ክንቃለስ ኢና።
ካብዚ ብተወሳኺ መፃኢ ሻውዓይ ሃገራዊ መረፃ ዲሞክራስያዊ፣ ሕጋዊ፣ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ዘንፀባርቕ ክኸውን ከም ኣባል ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን ኢሉ እውን ከም ኢትዮጵዊ ዜጋ ብንቅሓት ክንሳተፍ ኢና፡፡
ከላይ የገለጽናቸው ውሳኔዎቻችንና ቃል የገባናቸው ግቦች ተሳክተው የኢትዮጵያን ብልጽግና በአስተማማኝ መሠረት ላይ ለመመሥረት እንድንችል፣ መላው የብልፅግና አባላትና ኢትዮጵያውያን በኅብረ ብሔራዊ አንድነት እንዲሰለፉ ጥሪ እናደርጋለን።
ኣብ ላዕሊ ዝገለፅናዮም ውሳነታትናን ቃል ዝኣተናሉ ዕላማናን ክዕወትን ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ክህነፅን ኩሉ ኣባል ብልፅግናን ኢትዮጵያውያንን ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክስለፉ ፃውዒት ነቕርብ፡፡
ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና
02 ነሓሰ 2017 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ