መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ንፀገማት ኢትዮጵያ መፍትሒ ዘመልከተ ኢዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ንፀገማት ኢትዮጵያ ብዕምቆት ዝዳህሰሰን መፍትሒ ዘመልከተ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡፡

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት’ ንንባብ በቒዑ።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምረቓ እቲ መፅሓፍ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘቕረቡዎ ዳህሳስ መፅሓፍ ከምዝበሉዎ፤ እቲ መፅሓፍ ኩለመዳይ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝቓነየ ኢዩ።

ብፍላይ ፀገማት ኢትዮጵያ ብዕምቆት ዝዳህሰሰን ተግባራዊ መፍትሒታት ዘመልከተን መፅሓፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ፀገማት ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኣተሓሳስባ ትኹረት ብምግባር ክብ ሕራነ ዝብገስ መፅኻፍ ኢዩ ዝበሉ እንትኹኑ፥ ነገራት ኣፍሪስካ ኣብ ክንዲ ምስራሕ እወንታዊ ዝኾነ ክቕፅል ምግባርነ ኣሉታዊ ድማ ኣብ ምስትኽኻል ክዘድህብ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዝኸደቶ ነቓፅ ኣካይዳ ፖለቲካ ዝቐየረ ኣረኣእያ ከምዝኾ ብምግላፅ፥ ፖለቲካና ዝሰዓረ ኣካል ከምዝደለየ ንኩሉ ዝጥቕልል ካብ ዝብል ኣካይዳ ዘውፅእ ኢዩ ኢሎም።

ኣነ ዝደለኹ እንተዘይኮይኑ ካብ ዝብል ዜሮ ድምር ፀወታ ምውፃእ ዝከኣለሉ ዘበናዊ ኣካይዳ ፖለቲካ ዘመልከተ መፅሓፍ ከምዝኾነ እውን ኣይተ ጌታቸው ኣልዒሎም።

ፀገማት ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኣካይዳ ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ምፍታሕ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ሓሳብ መደመር ተግባራዊ ዝገበሮ ምፍጣርን ቅልጣፈን ኣብዚ መዳይ ቀንዲ መፍትሒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣዲስ ኣበባን ንምልዋጥ ዝተጀመረ ስራሕ ሓዱሽ ባህሊ ስራሕ ዘለማመደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረተርኣየ ሓዱሽ ተስፋ ናብ ኩሎም ኣንፈታት ኢትዮጵያ ክሰፍሑ ምርብባብ ይግባእ ኢሎም።

እቲ መፅሓፍ ንምንባብ ምቹው ብዝኾነ ኣቀራርባ ከምዝተሰናደአ ብምሕባር፥ ኩሉ ንኸንብቦ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment