ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መፅሓፍ የመደመር መንግስቲ ድኽነት ምፅያፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ምዕባለ ዝምነ ኢዩ ኢሎም፡፡
በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ‘የመደመር መንግስት’ ትማሊ ተመሪቑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ መፅሓፍ የመደመር መንግስት ንድሕሪት ተጓዒዙ ምስ ዳህሰሰ መብፅሒኡ ዝትልም ኢዩ ኢሎም፡፡
መፅሓፍ መደመር መንግስት ንድሕሪት ብምጉዓዝ ኣብይ ኢዩ ስብራት ገጢሙና፤ ኣብይ ኢና ተቐዲምና ኢሉ ዝተሓለፍናሎም ዘበናት ንድሕሪት ብምኻድ ገምጊሙ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ንድሕሪት ዝተገበረ ጉዕዞ፤ መፅሓፍ መደመር መንግስት ዝተገንዘቦም ቀንዲ ሓሳባት ከምዘለዉ እውን ኣብሪሆም፡፡
ካብ ሞንጎ እዚኦም ሓደ ዝተዛብዑ ሕቶታት ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ብትኽክል ዘይምሕታት ትኽክለኛ ምላሽ ከይንረክብ ዝገብረና ኢዩ ኢሎም፡፡
እቲ ካሊእ ድማ ንዝተዛባዐ ሕቶ መፍረሲ ከየዲ ለውጢ ምኽታል ከምዝኾነ ብምሕባር ናትና ብቕዓት ዝልካዕ ትማሊ ኣብ ምፍራስ እምበር ዝጎደለ መሊእና ኣሰጋጊርና ኣብ ምሃብ ኣይነበረን ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንፈተውቲ ኢትዮጵያ እውን ኩርዓት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ምድረ ቀደምት፣ ረቂቕ፣ ዓብዪን ብዙሕ ህዝቢን ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዓለም ክኣምን ኢዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ጀጋኑ፣ ደፋራትን ንህይወቶም ዘይስስዑ ብነዊሕ እዋን እንትልካዕ ጅግንነቶም ዘይነፀፈ ህዝቢታት ዝነብሩላ ከምዝኾነት እውን ኣመልኪቶም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!