ሙዚዬም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህንፀት ሃገር ድው ዝኾነ ትውልዲ ንምቕራፅ ዘኽእል ኢዩ – ሜ/ጄ ጥሩዬ ኣሰፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሙዚዬም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህንፀት ሃገር ድው ዝኾነ ትውልዲ ንምቕራፅ ዘኽእል ኢዩ ኢለን ዳይሬክተር ምምሕዳር ሙዚዬምን ሓድጊን ሰራዊት ምክልኻል ሜ/ጄ ጥሩዬ ኣሰፌ፡፡

ሜ/ጄ ጥሩዬ ከምዝበለኦ÷ ሙዚዬም ሰራዊት ኢትዮጵያካብ ዘመነ መንግስቲ ኣኽክሱም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘለዉ ወታደራዊ ታሪኻን ሓድጊታትን ኢትዮጵያ ብዝርዝር ሰኒዱ ዝሓዘ ኢዩ።

ድሕሪ ለውጢ መንግስቲ ንታሪኽን ሓድጊን ብዘርአዮ ቆራፅነት እቲ ሙዚዬም ብዘበናዊ መልክዑ ከምብሓዱሽ ከምዝተሃነፀን ጅግንነት እቲ ሰራዊት ዘርኢን ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብቲ ሙዚዬም ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ጀጋኑ ኣቦታት ዝተጠቐሙሎም መሳርሒታትን ዶብ ኣብ ምሕላው ዝተኸፈሉ መስዋእትነታት ዘርእዩ ጭቡጣት መረዳእታታት ከምዝርከቡዎም ኣብሪሀን።

ምህናፅ እቲ ሙዚዬም ትውልዲ ታሪኽ ሃገሩ ብቐሊሉ ንኽርዳእ ከምዘኽል ብምሕባር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ሉኣላዊነታ ብተግባር ከምዘረጋገፀት ብግልፂ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ትማሊ ኣብቲ ሙዚዬም ዑደት ምግባሮም ይፍለጥ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment