ሚኒስቴር ሕርሻ ሃገር ለኸ ልምዓት ለኸ ጎስጓስ ልምዓት ኣዝመራ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ሃገር ለኸ ልምዓት ለኸ ጎስጓስ ልምዓት ኣዝመራ 2018/19 ኣጀሚሩ፡፡

እቲ መድረኽ ምጅማር ሃገራዊ ጎስጓስ ልምዓት ኣዝመራ ኣመራርሃ ቢሮ ሕርሻ ክልላትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብቲ እዋን፥ ብመሰረት ዝተጀመረ ጎስጓስ በቢደረጅኡ ዝርከቡ ኣካላት ፍልይ ዝበለ ትልሚ ብምስንዳእ ብትኹረት ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ዝርገሐ ዘበናዊ ዱኽዒን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ብግቡእ ክፍተታት ብምእራም ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ናብ ስራሕ ንኸኣትዉ ኣንፈት ሂቦም።

ብኣምር መደመር መንግስቲ መሰረት ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩለመዳይ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ዓውዲ ልዑል ውፅኢት ይመዝገብ እምበር ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ ዓቕሚ እቲ ዓውዲ ሕዚ ካብ ዘለዎ ዝበለፀ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምስጋር ተግባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።

ብለውጢ መንግስቲ ዝተጀመረ ብዓመት ሰለስተ ግዘ ናይ ምፍራይ ከይዲ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብመሳፍንት ብርሌ

Comments (0)
Add Comment