ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር መዓድን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዕደና ንዝተዋፈሩ ሰለስተ ኩባንያታት ፍቓድ ዕደና ሂቡ።
ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማዕድን ብግቡእ ንምምዕባል ኣገደስቲ ስጉምትታት እናወሰደት ትርከብ፡፡
እቶም ኩባንያታት ፍቓድ ምሃብ ንቐጻሊ ምፍራይ ማዕድናትን ናብ ዕዳጋታት ወፃኢ ንምልኣኽን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎን በዚ ድማ ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝንኪን ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስትራተጂካዊ ፍርያት ብውሽጢ ዓዲ ንምፍራይን ልኡላውነት ፍርያት ንምርግጋፅ ዓቕሚ ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።
ፍቓድ ዝተውሃም ኩባንያታት ኣብ ፖታሽ፣ ማዕድን ሓፂንን ወርቅን ዝተዋፈሩ እንትኾ፣ እቶም ሰለስተ ንጥፈታት ዕደና 2 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ወፍሪ ከምዝግበረሎም ገሊፆም።
ብወንድሙ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!