ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝስራሕ ህንፀት መፅረዪ ርስሓት ኣጀሚሩ፡፡
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደን እምነ ኩርናዕ እቲ ፕሮጀክት ኣንቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ልቓሕ ዝተሸፈነ እንትኾን፤ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ እቲ ህንፀት ተዛዚሙ ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾን ተሓቢሩ፡፡
እቲ ህንፀት ብኣሰር ኮንስትራክሽንን ኣማኸርትን ከምዝፍፀም ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሙኒኬሽንን ጌትነት ስሜ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።
በሚኪያስ ኣየለ