ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን፣ ጋና፣ ሲሼልስ፣ ሴኔጋል፣ ቶጎን ሴንትራል ኣፍሪካ ሪፐብሊክን ኣብ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 39 ጉባኤ መራሐቲ እቲ ሕብረትን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ታንዛኒያን ላይቤሪያን ከምኡ እውን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮንጎ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!