ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን ሓበራዊ ያታታት ንምህናፅ ፈተና ንከይኾኑ ሚዲያታት ቅልጡፍን ነዚ እዋን ዝምጥንን ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ከብፅሓ ይግባእ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም።
ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን ሓድነት ህዝብታትን ሓበራዊ ክብሪን ኣብ ምሕላው ፈተና ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገለፁ እቶም ምሁራን፥ ዘይምክእኣል ካብ ምፍጣር ብዝዘለለ ዘላቒ ቅርሕንቲ ከምዘስዕቡ እውን ኣገንዚቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን እናተጋደዱ ምምፅኦም ብብርኪ ዓለም ፍልፍል ስግኣት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
መምህር ጋዜጠኝነትን ስነ ምግባርንን ኣማኻሪ ሚዲያን ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኣየለ ኣዲስ (ዶ/ር)፥ ብሄር፣ ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መሰረት ብምግባር ዝውዝዑ ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን ብሄራዊ ሓደጋ ናይ ምዃን ዕድሎም ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
መምህር ጋዜጠኝነትን ስነ ምግባርንን ዩኒቨርሲቲ ዲላ ኣስናቀ እንድርያስ ብግደኦም፥ ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐን ጉድኣቱ እናወሰኸን ምምፅኡ ኣገንዚቦም።
ስኑዕ ሓበሬታን ናይ ፀልኣት ዘረባታትን ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ክሳብ ሃገር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ነዚ ንምክልኻል ሚዲያታት ቅልጡፍን ነዚ እዋን ዝምጥንን ሓበሬታ ንማሕበረሰብ ከብፅሓ ይግባእ ከብሉ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።
ብኣስጨናቂ ጉዱ