ሚዲያታት ግብፂ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ሓሲየን ኢየን – ግብፃዊ ኣክቲቪስት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚዲያታት ግብፂ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ብምቕራብ ንህዝቢ እናሰሓሓታ ነይረን ኢሎም ግብፃዊ ኣክቲቪስት ሃምዲ ሱሌይማን፡፡

ምስ ፋና ዓረብኛ ፖድካስት ፃሒት ዝገበሩ ሱሌይማን፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ግብፂን ሱዳንን ምንም ዓይነት ስግኣት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ግድብ ብቐንዱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋልን ሓይሊ ምሰፈልፈለ እቲ ማይ ተፈጥሮኣዊ ከይዱ ሓሊዩ ናብ ተፋሰስ ሃገራት ዝኸይድ ብምዃኑ ንግብፂ ይኹን ንኻልኦት ተፋሰስ ሃገራት ስግኣት የብሉን ክብሉ ተዛረቦም፡፡

ብዛዕባ እቲ ግድብ ምፍራስን ብዛዕባ ድሕንነት ማይ ግብፂን ስግኣት ዝጋውሑ ናይ ስግኣት ሓበሬታታት ትኽክል ከምዘይኑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንሰላም፣ ንምትሕብባርን ምስ ግብፂ ፅቡቕ ርክብ ንምምስራትን ሓቀኛ ድሌት ከምዘለዋ ከምዝተረድኡ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ግብፂ መንግስቲ ንካልኦት ህዝቢታት ሃገራት ኣፍሪካ ዝምልከተሉ መገዲ ልክዕ ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ግብፃዊ ኣክቲቪስት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ናይ ኣፍሪካ ፕሮጀክት ገይሮም ከምዝምልከቱ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ላዕለዎት ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ዘለወን ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ባዕለን ውሳነ ክህባ ዝገብር ኢዩ ኢሎም፡፡

ብኣህመድ ኣብዱልባር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment