ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ልዕሊ 170 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምና ኩላሊት ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደገፍ ገይሩ።
ነዚ ደገፍ ዝተረኸባ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝበልኦ÷ ሚድሮክ 20 ንኩላሊት ዳያሊሲስ ማሽናትን 10 ዘመናዊ ዓራታትን ደገፍ ገይሩ፡፡
እቲ ደገፍ 180 ሕሙማት ንሰለስተ ዓመት ግልጋሎት ሕክምና ዳያሊሲስ ኩላሊት ክረኽቡ ዘኽእል ምዃኑ ተዛሪበን።
ከፊሎም ግልጋሎት ክረኽቡ ዘይኽእሉ ኣብ ሆስፒታላት ዘውዲቱን ምኒሊክን በቢዓመቱ ክሳብ 25 ሚሊየን ብር ብምምዳብ ብነፃ ኣገልግሎት ዳያሊሲስ ኩላሊት ቅድሚ 5 ዓመታት ምጅማሩ ኣረዲኤን፡፡
እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ደገፍ ነፃ ኣገልግሎት ብዕፅፊ ንምውሳኽ ዘኽእል ንሕሙማት ዓብይ ረድኤት ከም ዝህብን ኣመልኪቱ።
ስራሕቲ ህይወት ኣድሕን ብሰብ ዓብዩ ዋጋ ኣለዎ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ንሚድሮክ ንዝገበሮ ደገፍ ናእዳ ምቕራቡ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!