ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ሚድሮክ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዓለም ለኸ ዓብዪ ናይ ችርቻሮ ንግዲ ኣፋሊጡ፡፡
ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ችርቻሮ ካርፎር ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ዕቤት ዘፈር ነግዲ ችርቻሮ ልዑል ለውጢ ዝፈጥር ናይ ንግዲ ስያመ ምስ ሙሉእ ኣሰራርሑኡ ንምዝማድን ምሕዝነት ቀረብን ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ፡፡
ብመሰረት እቲ ስምምዕነቱ ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ሽምን ኣርማን ካርፎርን፣ ናይቲ ኩባንያ ፍልጠት ንግዲ ችርቻሮን ፍልጠትን ከምኡ እውን መለክዒታት ዓለም ለኻዊ ኣሰራርሓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ጨንፈራት ሱፐርማርኬት ተግባራዊ ክገብር ኢዩ።
ኣብቲ ምሕዝነት ፈላማይ ዓለም ለኸ ዓብዪ ናይ ችርቻሮ ንግዲ ፍራንቻይዝ ንዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘፋለጠ እንትኸውን እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ኢኮኖሚ ዝድግፍ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!