ሚድሮክ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዓለም ለኸ ግዙፍ ንግዲ ችርቻሩ ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ሚድሮክ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኲዊንስ ሱፐርማርኬት ፈላማይ ዓለም ለኸ ግዙፍ ንግዲ ችርቻሩ ኣፋሊጡ።

ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ችርቻሮ ዝኾነ ካርፎር ብምዃን ኣብ ምዕባለ ዓውዲ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዑል ለውጢ ዝፈጥር ዘበናዊ ችርቻሮ ንግዲ ዝኾነ ስያመ ንግዲ ምስ ሙሉእ ኣሰራርሕኡ ናይ ምቕራብ ሽርክና ምምስራቱ ገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ናይ ካርፎር ስምን ኣርማን፣ ናይቲ ኩባኒያ ኣፍልጦ ነግዲ ችርቻሮን ዓለም ለኸ መዐቀኒታት ኣሰራርሓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ዘፈራት ሱፐርማርኬቱ ተግባራዊ ክገብር ኢዩ።

እቲ ስምምዕነት ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ምስ ዓለም ለኸ ደረጃ ቁፅፅርን ንግዲን ብምጥዕዓም፣ ፍሪያታት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መዐቀኒታት ንከማእኡን ኣብ ዕዳጋ ወፃኢ ተወዳደርቲ ንክኾኑን ዕድል ዝኸፍት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment