ኣዲስኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ (ኤፍ ኤም ሲ) ማሕበራት ሞያ ንውፅኢታዊነት ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሚሽን ዘተ ግዲኦም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም ዋና ኮሚሽነርኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።
እቲ ኮሚሽን “ማሕበራት ሞያ ኢትዮጵያ ንውፅኢት ሃገራዊዘተ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
መስፍንኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋ፥ እቲ ኮሚሽንእቲ ምምኽክር ኣሳታፊን ንኹሉ ዝሓቁፍን ንምግባር ኣብ ምፍላይ ኣሳታፊ ሰፊሕ ትኹረት እናሃበ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።
ሃይማኖታውን ሲቪላውን ማሕበረሰብ ትካላት፣ ማሕበራትን፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ መንግስትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ብወከልቶም ኣቢሉ ከሳትፍ ከምዝኸኣለ ገሊፆም።
በዙይ እውን እቲ ዝበዝሐ ስራሕ ምክያዱን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ምብፅሑ ተዛሪቦም።
እቲ ኮሚሽን ጉባኤ ሃገራዊ ዘተንምክያድ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፤ ተሳትፎ ኩሉ ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
ኣብኢትዮጵያ ዘለዉ ፀገማት ብሰላም መገዲ ንምፍታሕ ዘሎ ኣማራፂ ሃገራዊ ምምኽኻር ምዃኑ ብምግላፅ ኩሎም ወገናት ኣጀንዳታቶም ናብቲ ሃገራዊ ዘተ ብምምፃእ ክሳተፉ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!