ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ኣገልግሎት ወለንታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ወለንታ ማሕበራዊ ምትእስሳር ሓንቲ ሃገር ዘጠናኽርን ሓድነት ክብሪ ምትሕግጋዝ ዜጋታት ዘጎልብትን መገዲ ቅንዕና እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለቶ ንእሽተይ ፍልጠት፣ ግዘ ወይ ጉልበት፣ ህይወት ካልእ ሰብ ብምሉእ ንምቕያር ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎ።

ምግባር ሰናይ ማለት ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብዘይ ረብሓ ምድላይን ብዘይ ክፍሊትን፣ ብፅቡቕ ሓሳብ ንዝፈልጦምን ንዘይፈልጦምን ሰባት ንሕብረተሰብን ብሓፈሻ ንህዝቢ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ እዩ።

ሰብ ተኮር ኣረኣእያ መለለይኡ ዝኾነ መንግስቲ መደመር፤ ኣገልግሎት ወለንታን ካልኦት እወንታዊ ክብሪታትን ሕብረተሰብና ንኽዓብዩ ዘኽእሉ ኩነታት ፈጢሩ እዩ።

ወለንታ ብቛንቋ፣ ሃይማኖት፣ ብሄር ወይ ብኻልእ ዝኾነ መለክዒ ፍልልይ ዝድረት ዘይኮነስ ብውልቃዊ ተበግሶ ዝፍፀምን ዕግበት ሕልና ዘምፅእን ተግባር እዩ።

ሰናይ ምግባር ንርእስኻ ስንቂ እዩ፤ ኣብ እዋን ሓጋይ ይኹን ኣብ እዋን ክረምቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናትን ህፃናትን ፃጋዝ፣ ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዘለካ ኣስተዋፅኦ ምብርካት ካብ መናእሰይ ትፅቢት ዝግበር ተግባር ብምዃኑ፤ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ወለንታ ይሳተፉ ኣለዉ።

ብዋናነት ኣብ ልገሳ ደም፣ ምምላእ ናውቲ ትምህርቲ፣ ናይ ሓጋይ ምጥንኻር ትምህርቲ ምሃብ፣ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ፣ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጥዕና ስነ ተዋልዶን፣ ኣረጋውያንን ወለዲ ዘይብሎም ህፃናትን ብምሕጋዝ፣ ዝተፈላለዩ ተግባራትፃለንታ እናካየዱ ይርከቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ከባቢ ሓምለዋይ ኣብ ምልባስን ኣብ ኣወጋግዳ ጎሓፍን ፅሬትን ብምስታፍ፣ ሃፍቲ ሃገር ካብ ወፃኢታት ብምድሓን፣ ኢትዮጵያውያን ዝፍለጡሉ ባህሊ ምትሕግጋዝ ንኽዓቢ እወንታዊ ግደ ተፃዊቱ እዩ።

እዚ ተግባር ምትሕስሳብን ምርድዳእን ዘጠናኽርን ዕግበት ሕሊና ዘምፅእን ምዃኑ ብዕምቆት ዝተረድኡ መናእሰይ ብቐፃልነት ኣብዚ ተግባር ክሳተፉ ክኢሎም።

እዚ ብገንዘብ ዘይግመት ኣገልግሎት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዕቤት ቀንዲ ዓምዲ ኮይኑ የገልግል፤ ኣብዚ መዳይ ድማ ጉዕዞ ዕቤት ሃገርና ንምቅልጣፍ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣብ ተመሳሰልቲ ተግባራት ብምስታፍ ንወለዶታት ዝሰጋገር ኣሰር ክንሓድግ ይግባእ።

ብትዕግስት ግዛቸው

Comments (0)
Add Comment