ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ወፃኢ ንግዲ ፍርያት ቡንን ጥረምረን ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ 104 በዓል 20 ጫማ ኮንቴነራት ኣቕሪበ ኣለኹ ኢሉ፡፡
እቲ ማሕበር ኣክሲዮን ምስ ኩባኒያ ትራንስፖርት ባሕሪ ሜዲትራኒያን ብምትሕብባር እተን ኮንቴነራት ካበ ወደብ ጅቡቲ ናብ ጣቢያ እንዶዴ ባቡር ከምዘጓዓዓዘ ኣፍሊጡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር) እተን ኮንቴነራት ለኣኽቲ ቡን ፍርያተን ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ንምቕራብ ከምዘኽእሎም ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ተወሰኽቲ ኮንቴይነራት ንምቕራብ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡
ኣብ ውሽጢ ሃገር በዓል 20 ጫማ ኮንቴነራት ሕፅረት ስለዘሎ ካብ ወደብ ጅቡቲ ብምምፃእ ለኣኽቲ ከምዝቐረቡ ኣብ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ ዳይሬክተር ግሎባል ሎጂስቲክስ ወ/ሮ ምንተስኖት ዮሃንስ ንፋና ዲጂታል ተዛሪበን፡፡
ብፍላይ ፍርያት ቡን ፅሬቱ ሓሊዩ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንኽቐርብን ምንካይ ፅሬት ከየጋጥምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተዓሺጉ ንኽወፅእ መምሒ ከምዝተቐመጠ ኣልዒለን፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!