ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ናይ ምስላፍ ዕድል ተኸሊኡ ኣብ ኣርሰናል መን ምዃኑ ኩሉ ክርኢ ብምግባር ወሳኒ ተፃዋቲ ክኸውን ዝኸኣለ ኮኸብ ኢዩ ማርቲን ኦዴጋርድ፡፡
ኣብ ሃገሩ ኖርዌይ 4ይ ብርኪ ውድድር ኣብ ትፃወት ጋንታ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ዝጀመረ ኦዴጋርድ ንሪያል ማድሪድ ናይ ምጨዋት ዕድል ረኺቡ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን፡፡
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014/15 ክሳብ 2020/21 ውድድር ዓመት ናይ ሪያል ማድሪድ ንብረት ይኹን እምበር ኣብቶም እዋናት ግን ናብ ኣርሰናል ሓዊሱ ንዝተፈላለያ ጋንታታት ብልቓሕ ተፃዊቱ ሓሊፉ ኢዩ፡፡
ኣብ ስፔናዊት ጋንታ ሪያል ማድሪድ ኣብ ዝፀንሐሎም ዓመታት ጥምረት ቶኒ ክሩስ፣ ሉካ ሞድሪችን ካሲሚሮን ጥሐሱ ናይ ምእጭዋት ዕድል ንምርካብ ተፀጊሙ ምፅንሑ ይዝከር፡፡
ማልያ ሪያል ማድሪድ ተኸዲኑ ኣብ ኩሎም ውድድራት ክፃወት ዝኸኣለ 11 ፀዋታታት ጥራሕ እንትኸውን ዝኾነ ይኹን ናይ ሸቶ ኣስተዋፅኦ ኣይነበሮን፡፡
ኣብ 2020/21 ብውዕሊ ልቓሕ ኣብ እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ፃንሒት ዝነበሮ ኦዴጋርድ፤ ኣብ ዝቕፅል ዓመተ ውድድር ብቐዋሚነት ናብ ኣርሰናል ክፅምበር ክኢሉ ኢዩ፡፡
ናብ ኣርሰናል ብቐዋምነት ምስተፀምበረ ዝበለጠ ብቕዓቱ ከርኢ ዝኸኣለ ማርቲን ኦዴጋርድ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ ኣርሰናል ወሳኒ ተፃዋቲ ከምዝኾነ ኣርኢዩ ኢዩ፡፡
ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ሊጉ ተነሓናሒት ፅዋዕ ንኽትከውን ልዐል ኣስተዋፅኦ ካብ ዘበርከቱ ተፃወትቲ መድፈዐኛታት ሓደ ኦዴጋርድ ሓደ ኢዩ፡፡
ካብቲ ሊግ ብተወሳኺ ኣርሰናል ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣብ ዝገበረቶ ጉዕዞ ናቱ ግደ ዝትካእ ኣይነበረን፡፡
ኣብ 2022/23ን 2023/24 ንተኸታታሊ ዓመተ ውድድር ሽልማት ዝበለፀ ተፃዋታይ ጋንታ ኣርሰናል እቲ ዓመት ምስዓሩ ይዝከር፡፡
ሃገሩ ኖርዌይ ድሕሪ 28 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ፅዋዕ ዓለም ክትሳተፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከበርክት ክኢሉ ኢዩ፡፡
ኖርዌይ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ መድረኽ ፅዋዕ ዓለም ንኽትምለስ ካብ ኤርሊንግ ሃላንድ ቀፂሉ ልዑል እጃም ዝወስድ ኦዴጋርድ፤ ክሳብ ሕዚ ንሃገሩ 67 ፀወታት ገይሩ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ብተደጋጋሚ ጉድኣት እናተፈተነ ዝርከብ ማርቲን ኦዴጋርድ፤ ቅድሚ ጉድኣ እናርአዮ ዝነበረ ምንቅስቓስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንምርኣይ እናተፀገመ ይርከብ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ