ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንም ፈተወ ፀልአ ርግፀኛ እየ ኢትዮጵያ ተዓፅያ ኣይትነብርን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንእተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ዝሃቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፣ ሕጋዊ፣ ታሪኻዊ፣ መልክዓ ምድራዊን ኢኮኖሚያዊን ሕቶ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ 30 ዓመት ቃልሲ ብርብርብ ብዙሓት በሪ ባሕሪ ከምዝሰኣነት ብምዝኽኻር፤ ብዝተረጋገአ፣ ብህድኣት ብልዝብ በሪ ባሕሪ ምርካብ ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዶብ ዝሰኣነትሉ ውሳነ ብመን ከምዝተወሰነ ዘርኢ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሰነድ መረዳእታ ከምዘየለ ብምግላፅ፤ እቲ ውሳነ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ኣልዒሎም።
እቲ ጉዳይ ምሕታትን ምልዓልን ነውሪን ትኽክልን ዘይኮነ ገይሩ ዝምልከት ያታ ከምዘሎ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ከምዘድልያን ምስ ኤርትራ ሰላም ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ኣብ ሚሊኒየም ኣዳራሽ ከምዘልዐሉ ብምዝኽኻር፤ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተጓዓዙሉ እዋን ወደብ ቀንዲ ጉዳይ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ኣብ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ጂኦፖለቲካኡ ብምፅሓፍ ንሰብ መዚ ኤርትራ ብህያብ መልክዑ ከምዝለኣኹሎም ብምግላፅ፤ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምውፋር ሓይሊ ባሕሪ ከምዝተጣየሸ እውን ተዛሪቦም።
ምስ ኤርትራ ብምስምዕማዕ ወደብ ንምልማዕ ፈተነ ይደረግ እምበር ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ናይ ምግባር ድሌት ከምዘይነበረ ፀሪሖም።
ዓሰብ ንምልማዕ ኣብቲ እዋን ዝርርብ ይገበር እምበር ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግልፂ ብዘይኮነ መገዲ ነቲ ጉዳይ ምላሽ ንመሃብ ድልውነት ኣይነበረን ኢሎም።
ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ምስራሕ ድሌትና ኢዩ፤ ብፍፁም ናይ ምውጋእ ድሌት የብልናን፤ ብሕጋዊን ብዝርርብን ክፍታሕ ዝኽእል እምነት ኣለና ኢሎም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚት እንህቦ ድማ ሰላምን ዝርርብን ስለዝኾነ ሃገራት መፍትሒ ንኸምፅኣ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ማንም ፈተወ ፀልአ ኢትዮጵያ ተዓፅያ ከምዘይትነበር ርግፀኛ እየ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዓባይ ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ እንትትምዕብል ካልኦት ትሕግዝ እምበር ስግኣት ከምዘይትኸውን ኣረጋጊፆም።
ምስ ኤርትራ ዝተፈጠረ ፀገም ምስ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ህወሓትን ትግራይን መሊኡ እንድሕር ዘይጠፊኡ ዝብል ድሌት ብምንባሩ ዝመፅአ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!