ማንቼስተር ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ሎሚ 11:00 ኣብ ሜዳ ክሪስታል ፓላስ ሜዳ ሴልኸርስት ፓርክ ኣብ ዝገብሮ ፀወታ ማንቼስተር ሲቲ ወሳኒ ዓወት ብምምዝጋብ ምስ መራሒ እቲ ሊግ ኣርሴናል ዘለዎ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምፅባብ ናብ ሜዳ ክኣቲ ኢዩ።

ማንቼስተር ሲቲ 31 ነጥቢ ብምእካብ ካልኣይ እንትኸውን፥ ክሪስታል ፓላስ ድማ 26 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ መበል ሓምሻይ ደረጃ ኣሎ።

ትማሊ ምሸት ንዎልቭስ 2 ን 1 ዝሰዓረ ኣርሴናል ድማ ነጥቡ 36 ብምብፃሕ መሪሕነቱ ምጥንኻሩ ይዝከር።

ሎሚ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሰዓት 11፡00 ሰንደርላንድ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ፣ ዌስትሃም ምስ ኣስቶንቪላ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ቶተንሃም ክራኸቡ ኢዮም።

ምሸት ሰዓት 1:30 ድማ ብሬንትፎርድ ሊድስ ንዩናይትድ ዘተኣናግደሉ ፀወታ ክካየድ ኢዩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment