ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድን ሊድስ ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊዮም።
ማቲያስ ኩንሃ ንማንቼሰተር ዩናይትድ፣ ኣሮንሰን ድማ ንሊድስ ዩናይትድ ሸቶታት ኣቑፂሮም።
ሰዓት 12 ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ሰንደርላንድ፣ ፉልሃም ምስ ሊቨርፑል ከምኡ’ውን ኤቨርተን ምስ ብሬንትፎርድ ክራኸቡ ኢዮም።
ምሽት ሰዓት 2፡30 ድማ ናይዚ ሰሙን ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዲኡ ስታዲየም ኢትሃድ ምስ ቼልሲ ከምዝጋጠሙ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ ይሕብር።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!