ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ቀዳማይ ሰሙን ሓዱሽ ዘበነ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ክልተ ተነሓናሕቲ ጋንታታት ሰዓት 12፡30 ከራኽብ ኢዩ።
ካብ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካብ ዝርሕቑ ዓመታት ዘቑፀሩ ማንቼስተር ዩናይትድን ኣርሰናልን ሎሚ ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ዘካይድዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ዝተገበረሉ ኮይኑ ኣሎ።
ክልቲኦም ክለባት ዘካይድዎ ፀወታ ሲሞን ሁፐር ናይ ማእኸል ዳይና ብምዃን ክመርሕዎ ኢዮም።
ፖል ቴርኒ ድማ ብዳይነት ቫር ከምዝመርሕዎ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።
ብተወሳኺ ቼልሲ ምስ ክሪስታል ፓላስን ኖቲንግሃም ምስ ብሬንትፎርድን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 10:00 ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!