ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ እግሪ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ኦልድትራፎርድ ምሸት ሰዓት 4 ንኣትሌቲክ ቢልባኦ ክተተኣናግድ ኢያ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ስፔን ኣምሪሓ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።
ብኻሊእ መዳይ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ሊገን ዝገበረኦ ፀወታ ኣይተዓወታን።
ኣሰልጣኒ ማንቼስተር ዩናይትድ ሩበን ኣሞሪም ቅድሚ ፀወታ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ “ኣብ ታሪኽ ከቢድ ኣብ ዝኾነና ዓመት ፅዋዕ ዩሮፓ ሊግ ሒዝና ክንዛዝም ንኽእል ኢና፤ ነገርግን ዝልውጦ ነገር የለን እዚ ዓመት ዘናድድ ዓመት ነይሩ” ኢሎም፡፡
ኣብ ካልኢእ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ብተመሳሳሊ ቶተንሃም ሆትስፐር ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ቦዶ ግሊምት ክትራኸብ ኢያ።
ኣብ ቃማይ ዙር ፀወታ ቶተንሃም 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ