ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኤቨርተን ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሰዓት 5 ንማንቼስተር ዩናይትድ ከተአንግድ እያ።
ድሕሪ 4 ተኸታታሊ ዓወታት ማዕረ ውፅኢት ተፈላልያ ዘላ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ናይ ዓወት ክትምለስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ዝሓለፋ 5 ፀወታታት ክልቲአን ጋንታታት ክልተ ዓወት ከተመዝግብ ከላ ኤቨርተን ድማ ኣብ ሓደ ተዓዊታ ኣብ ክልተ ድማ ማዕረ ተፈላልያ።
ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተድኣ ተዓዊታ ነጥባ ናብ 48 ብምዕባይ ካብ ቸልሲ 4ይ ደረጃ ክትሕዝ እያ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!