ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ወልቭስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 15 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ወልቭስ ክትገጥም ኢያ፡፡

ማንቼስተር ዩናይትድ ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት እቲ ሊግ ክትዕወት ዝኸኣለት ሓንቲ ፀወታ ጥራሕ እንትትከውን÷ ኣብ ሰለስተ ፀወታ ማዕረ ተፈላሊያ ኣብ ሓደ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡

ተጋጣሚታ ወልቭስ ብግደኣ ኣብዚ ውድድር ዓመት ዋላ ሓንቲ ፀወታ ክትዕወት ኣይከኣለትን፡፡

ዩናይትድ ብ22 ነጥቢ ኣብ መበል 12 ደረጃ እንትትርከብ ወልቭስ ብክልተ ንጥቢ ኣብ መወዳእታ ደረጃ እቲ ሊግ ትከብ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ሕድሕድ ካብ ዝገበረኦም ዝሓፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ማንቼስተር ዩናይትድ ሰለስተ እንትትዕወት ወልቭስ ክልተ ግዘ ተዓዊታ፡፡

ማንቼስተር ዩናይትድ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተስዒራ ነጥባ 25 ብምብፃሕ ምስ ቼልሲ ብሸቶ ተበሊፃ ኣብ 6 ደረጃ ክትቅመጥ ኢያ፡፡

ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ምሸት 5 ሰዓት ክጅምር ኢዩ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment