ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ንኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ኣሰናቢታ፡፡
እታ ጋንታ ን14 ኣዋርሕ እናመርሑ ንዝነበሩ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ምስንባታ ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ፡፡
ማንቼስተር ዩናይትድ ብሩበን ኣሞሪም እናተመርሐት ኣብዚ ዓመተ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ 8 ፀወታታት ስዒራ 5 ስዕረት ዘተኣናገደት እንትትከውን፥ ሸውዓተ ማዕረ ብምፍልላይ ብ31 ነጥቢ ኣብ 6ይ ደረጃ ትርክብ፡፡
ስንብት እቲ ኣሰልጣኒ ስዒቡ ነበር ተፃዋቲ እታ ጋንታ ዳረን ፍሌቸር ብግዚያዊነት ነታ ጋንታ ክመርሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡