ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብቲ ሊግ ን5ይ ተኸታታሊ ዓወት ንምዕዋት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መርሃ ግብሪ 26 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ 4 ፀወታታት ከካየድ እዩ።
ዌስትሃም ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ምሸት ሰዓት 5፡15 ንማንቼስተር ዩናይትድ ከተአንግድ እያ።
ኣብቲ ሊግ ኣብ ዝሓለፈ 4 ተኸታታሊ ፀወታታት ዓወት ምምዝጋብ ዝኽኣለት ማንቼስተር ዩናይትድ ን5ይ ተኸታታሊ ዓወት ከተመዝግብ ናብ ሜዳ ክትኣቱ እያ።
ኣብ ዞባ ምውራድ ትርከብ ዌስትሃም ዩናይትድ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ፀወታኣ ክትዕወት ክትቃለስ እያ።
ቅድሚ እዚ ፀወታ ቸልሲ ምስ ሊድስ ዩናይትድ ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ምሸት ሰዓት 4፡30 ክትገጥም ኢያ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment