ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ማንቼስተር ሲቲ ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ማንቼስተር ሲቲ 2 ን 0 ዓወት ኣመዝጊባ።

ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ደርቢ ማንቹሪያን፤ ዩናይትድ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ብሪያን ሙቤሞን ፓትሪክ ዶርጉን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብከተማ ተናሓናሒታ ማንቼስተር ሲቲ ልዕልነት ተወሲዱዋ ዝነበረት ማንቼስተር ዩናይትድ፤ ሎሚ መዓልቲ ሙሉእ ፀብለልታ ብምውሳድ ዓወት ክተመዝግብ ክኢላ።

ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ክትፅብብ ተባሂላ ትፅቢት ኣብ ዝተገበረላ እዋን ብዘይ ምንም ነጥቢ ብስዕረት ተመሊሳ፡፡

Comments (0)
Add Comment