ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል ሕክምና ሆስፒታል ዝኽሪ ዘውዲቱ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነበረ ቅኑዕ ሕራነ ምላሽ ዝሃበ ኢዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ከምዝበለኦ÷ ብዕሊ ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረ እቲ ዘበናዊ ማእኸል ጥዕና ዓለም ለኸ ደረጃ ፅሬት ብዝሓለወ መልክዑ ተሃኒፁ ዘበኑ ዝጠልቦ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሕክምና ዘማልአ ኢዩ።
እዚ ድማንሰብ ሞያ፣ ንተሓከምቲ ከምኡ እውን ሕሙማት ንዘላዕሉ ዝተመቸወ ዘበናዊ ማእኸል ጥዕና ከምዝኾነን ኣብቲ ዓውዲ ንዝነበረ ቅኑዕ ሕራነ ምላሽ ዝሃበን ኢዩ ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!