ማእኸል መሰልጠኒ ኣመራርሓ ስራሕ ምስ ጉዕዞ ብልፅግና ሓቢሩ ዝስጉም ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ቢሾፍቱ ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ስራሕ ኢትዮጵያ ምስ ጉዕዞ ብልፅግና ሓቢሩ ዝስጉም ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ህንፀት ፕሮጀክታት፣ ክፍሊታት ስልጠናን ምንቅስቓስ ስራሕን እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ተዓዚቦም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን እቲ ኢንስቲት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መንግስቲን ዘፈር ውልቀን በቢደረጅኡ ዘለዉ ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ዓቕሚ ብምህናፅን ብምብቃዕን ንብዙሓት ዓመታት ልዑል ኣሰር ኣዕሪፉ ኢዩ ኢሎም።

ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ሪፎርም ብምድጋፍ ናይ ባዕሉ ግደ እናተፃወተ ዝርከብ ትካል ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ንብዙሓት ትካላት ስልጠና ብመሃብ፣ ብምምኻርን ኣብቲ ዓውዲ ምርምር ኣብ ምግባር ዝርከቡ ውቁባት ሓምለዎት ምስሊታትን ሰፊሕ ቀፅሪን ከምዘለዎ ፀሪሖም፡፡

እቲ ማእኸል ምስ ጉዕዞ ብልፅግናና ሓቢሩ ዝስጉም ጥራሕ ዘይኮነ ዘፈር ውልቀን መንግስቲን ትካላዊ ለውጢን ዓቕሚ ምፍፃምን ንምጉልባት ናይ ለውጢ ኣብነት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

መንግስቲ ፌደራል እቲ ማእኸል መሰልጠኒ ንምዝማን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment