ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ማእኸል ስሕበት ኮንፈረንስ ቱሪዝም እናኾነት ትርከብ ክብላ ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ለውጢ ፖሊሲ ምግባሩ ሓዊሱ ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ምቹዋት መሰረተ-ልምዓታትን፣ ምስ ቪዛ ተተሓሂዙ ዝተገበሩ መመሓየሺታት ኢትዮጵያ ተመራፂት ንኽትከውን ከምዘኽአሉዋ ኣብሪሆም፡፡
ቱሪዝም ከተማ ኢኮኖሚ ብብርኪ ከተማ ንምንቕቓሕ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ባህሊታት ኢትዮጵያ፣ ውፅኢታት ኢደ ጥበብን ካልኦት ፍርያታትን ናብ ዓለም ንምፍላጥ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ዕድል ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን