ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኣዘርባጃን ኣብ ኢትዮጵያ ሩስላን ናሲቦቭ ማእኸል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ምእታዉ መርኣያ ቆራፅን በዓል ራኢን መራሒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እቶም ኣምባሳደር መዓልቲ ናፅነት ኣዘርባጃን ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሰናደአ መርሃ-ግብሪ ከምዝበሉዎ፤ እናዓበየ ዝመፅአ ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ብዝበለፀ ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ምምሕዳር እናመዝገበቶ ትርከብ ቅልጡፍ ዕቤት እውን ንኢዶም፡፡
ማእኸል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብቕልጡፍን ብዕዉትን ኩነታት ከምዝተተግበረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገሮም ምስ ዝተግበረቶን ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበን ሞዴል ‹‹ኣሳን ዲጂታል ኣገልግሎት›› ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
ኣብ ሓደ ማእኸል ዝወሃብ ኣገልግሎት፤ ግልፅነት ኣገልግሎት ንምዝማን፣ ግዕዝይና ንምንካይን ዕግበት ዜጋታት ብምምሕያሽ ናይ ብዙሓት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ቀረብ ኣብ ሓፂር እዋን ለውጢ ንምምፃእ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያውያን ኣገልግሎት እቲ ማእኸል ብዝበለፀ እንትፈልጡ ኣብ ዲጂታል ኣገልግሎት ልዑል እምነት ከምዝህልዎም ገሊፆም፡፡
ብመሳፍንት ብርሌ