ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲታት ማእድንን ኢንዱስትሪን መንጠሪ፤ ዲጂታል ኢኮኖሚ ድማ መዛመዲ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ “ብመርኣዪ ናይ ምድማር መንግስቲ ምዕባለ ዓውዲታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሃብዎ ስልጠና፥ ዓውዲ ዕደና ስሉጥን ልዑልን ሸርፊ ወፃኢ ብምምፃእ ነምንጣር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ዓውዲ ኣጠቓቕምኡ ብፍልጠትን ብትልሚን ምስራሕ ከምዝደሊ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ጋዛ፣ መስተዋትን ኢነርጂን ዝተኸበረት ሃገር ከምዝገብራ ገሊፆም።
ባህጊ ሸርፊ ወፃኢ ንምምላእ ዋሳኒ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኣወሃህባ ፍቓድ ልዑል ጥንቃቐ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ኢንፖርት ፍሪያታት ዓውዲ ኢንዱስትሪ ምትካእ፣ ሰደድ ወፃኢን ካልኦት ዓውዲታትን ዝሕግዝ እታዎት ምፍራይ ዝበሉ ሰለስተ ዕላማታት ከምዘለውዎ ገሊፆም።
እቲ ዓውዲ ካብ ምዝባዕ ናብ ብራኸ ንክዓቢ ብቕርበት ብምምራሕ ዓውዲ ውልቀ ዝስረሐሉ ምቹእ ኩነታትን ሚዛናዊ ምትሕብባርን ብምፍጣር ምዕባለ ምምፃእ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት