ማዱኬ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ንክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ክርሕቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃቲ ክፍሊ መስመር ጋንታ ኣርሰናል ኖኒ ማዱኬ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ምኽንያት ንክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ተፃዋቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሓደ ማዕረ ኣብ ዝተፈላለያሉ 5ይ ሰሙን ፀወታ እቲ ሊግ ናይ ብርኪ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ፡፡

ወዲ 23 ዓመት ተፃዋቲ ማዱኬ ብቀዋሚነት ይጀምር እምበር ድሕሪ ዕረፍቲ ብቡካዮ ሳካ ተቐይሩ ምውፅኡ ይዝከር፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment