ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፃቲ ክፍሊ መስመር ጋንታ ኣርሰናል ኖኒ ማዱኬ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ምኽንያት ንክልተ ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ተፃዋቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሓደ ማዕረ ኣብ ዝተፈላለያሉ 5ይ ሰሙን ፀወታ እቲ ሊግ ናይ ብርኪ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ዘ ኣትሌቲክ ፀብፂቡ፡፡
ወዲ 23 ዓመት ተፃዋቲ ማዱኬ ብቀዋሚነት ይጀምር እምበር ድሕሪ ዕረፍቲ ብቡካዮ ሳካ ተቐይሩ ምውፅኡ ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!