ምሁርነት ንሕቶ ድሉው ምዃንን ናይ ምሕታት ብቕዓትን ኢዩ  – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁርነት ንሕቶ ድሉው ምዃንን ናይ ምሕታት ብቕዓትን ኢዩ   ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስረታ በዓል መበል 75 ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያት ብምግባር “ግደ ምሁራን ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ  ፅሑፍ ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ÷ ዩንቨርስቲ ምእታው ንምሁርነት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ዘጓዕዝ አንተኾነ እኳ ንዘለኣለም ኣብ ዩንቨርስቲ ምፅናሕ ግን ምሁር ኣየብሊን ኢሎም።

ምሁር ዝበሃል ካብ ሓደ ዲፓርትመንት ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሓሳብ ምሃብን ምቕባልን እንትከኣል ኢዩ ብምባል፥ ካብ ሓደ ዲፓርትመንት ብምውፃእ ኣብ ማሕበረሰብ ትርጉም ዘለዎ ነገር ከበርክት እንትኽእል ምሁር ይበሃል ኢሎም።

ኣክቲቪስታት፣ ናይ ሓሳብን ትካላትን መራሕቲ ዝመሃሃሩ እንተኾይኖም ቅንዕ ኢልና ንክንጓዓዝ ምግባር ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ ኣረዲኦም።

ናይዞም ኣካላት ቀንዲ ጉዳይ ንለውጢ ክፍቲ ዝኾነ ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ነገራት ንክመሃርን ንክቕበልን ምምሃር ምዃኑ ገሊፆም።

ኣክቲቪስታት ንለውጢ ድሉው ዝኾነ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ሓላፍነትን ግደ ኣመራርሓን ትፅቢት ከምዝግበረሉ ሓቢሮም።

ናይ ሓሳብ መራሕቲ ዝተዓዳደግሉ ሓሳብ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ነዚ ብደንቢ ዘይፈልጥ ኣመራርሓ ግን ዝሓሰቦ ምዕዋት ኣይኽእልን ኢሎም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment