ምሁርነት ዝሓለፈን እዋናዊን ብዕሊ ዝርዳእ፣ መፃኢ ዝኸእምት ኢዩ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሁርነት ዝሓለፈን እዋናዊን ብዕሊ ዝርዳእ፣ መፃኢ ዝኸእምት ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስረታ በዓል መበል 75 ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምኽንያት ብምግባር “ግደ ምሁራን ንሃገራዊ ምዕባለ” ብዝብል ርእሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዘቕረብዎ ፅሑፍ÷ ግደ ምሁራን ንምዕባለ ሃገር ልዑል ግደ ዝህልዎ ብዓውዱ ዝህቦ ኣመራርሓ ተረዲኡ ምግልጋል እንትኽእል ኢዩ ኢሎም።

ምሁራን ሓበራዊ ያታ ብምፍጣር ዝማዕበለትን ካብ ድኽነት ዝወፅአትን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ትፅቢት ዝግበረሎም ምሁራዊ ኣመራርሓ ምሃብ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

መራሒ ማለት ፈለማ ንባዕሉ ዝኸኣለ፣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ድምፂ ምድማፅን ምፍላይን ዝኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ድሕሪ እዚ ጊዘ ብምርዳእን ነባራዊ ሓቂ ብምግንዛብን ሕድሕድ ጊዘ ንግቡእ ዕላማ ምውዓል ትፅቢት ከምዝግበረሉ ኣገንዚቦም።

ብድምር ምሁርነት ዝሓለፈን እዋናዊን ብዕሊ ዝርዳእ፣ መፃኢ ዝኸእምት ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ መብርሂኦም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment