ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ጉባኤ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለ ሃይማኖት ብፀሎት ኣጀሚሮም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፤ ብዝተፈላለዩ መገዲታት እናተወገኑ ዝርከቡ ቤተክርስቲያን ናይ ምድፋር ተግባራት ንምፍታሕ ብሕጋዊ መገዲ ምንቅስቓስ ይግባእ።
ናይ ፅባሕ ትውልዲ ልምዓታዊ ተስፋ ጋህዲ ዝኸውን ሰላምን ሓድነትን እንትህሉ ብምዃኑ ኩሉ ንሃገር ሰላምን ሓድነትን ክሰርሕ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ እቲ ጉባኤ ናይ ባዕሉ ፃዕሪ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም።
ኣብቲ ምልኣተ ጉባኤ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ሃገራት ዝመፅኡ ብፁኣን ኣቦታት ሊቃነ ጳጳሳት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ኣብ ጉዳይ እታ ቤተክርስቲያንን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!