ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ፡፡

ካብ 11 ጥቅምቲ ጀሚሩ እናተኻየደ ዝፀንሐ ምልኣተ ጉባኤ ብዛዕባ እታ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ፣ ዕቤት ማሕበራዊን ቁጠባዊ ሃፍቲን፣ ብዛዕባ ሰላምን ሓድነትን ሃገር፣ ብዛዕባ ምሕደራ ክርስቲያን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ፡፡

ምዝዛም ምልኣተ ጉባኤ እቲ ሲኖዶስ ኣመልኪቱ መግለፂ ዝሃቡ ዋና ፀሓፊ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ÷ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝበ ክርስቲያን ህዝብናን ወገናን ስለዝኾነ እተን ኣብያተ ክርስቲያናን ገዳማትን እውን መንፈሳዊ ቤተ ክርስቲያንና ኢዮም ኢሎም።

እቶም ኣሕጉረ ስብከት ዝተወደቡ እውን ብቅዱስ ሲኖዶስ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ስለዝኾኑ ሕጊን ቀኖናን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብምሕላው፣ ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ ተኸቢሩ፣ ርክብ ውዳበ ናብ ነባር ቦታኡ ንኽምለስ በሪ ሰላም፣ ሓድነትን ይቅርታን ቤተ ክርስቲያንና ክፍቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ኣቦታትን ካህናትን ፃውዒት ሰላም ከምዘመሓላለፈ ኣብሪሆም።

ሓድነት ውዳበ እታ ቤተ ክርስቲያን ብዝበለፀ ተጠፂኺሩ ንትውልዲ ንኽሳገር፣ ህዝቡ እውን ሓድነቱን ሰላሙን ሓሊዩ ንኽነብር ካብ ብፁኣን ኣቦታት ሊቃነ ጳጳሳት ጀሚሩ መምህራን፣ ካህናት፣ መነኮሳትን ፈለስቲን እታ ቤተ ክርስቲያን እጃሞም ንኽዋፅኡ ብምትሕስሳብ እቲ ዓመታዊ ጉባኤ ኣኼባኡ ከምዝዛዘመ ኣመልኪቶም፡፡

ብነፃነት ፀጋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment