ምልክት ቋንቋ ንምስፋሕ ግቡእ ጠመተ ንክግበር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ምልክት ቋንቋ ንምስፋሕ ግቡእ ጠመተ ንክግበር ተሓቲቱ።

ዓለም ለኸ ሰሙን ምስማዕ ዝተስኣኖም “ብዘይኣፍልጦ ምልክት ቋንቋ ሰብኣዊ መሰላት ምስማዕ ዝተስኣኖም ክኽበሩ ኣይኽእሉን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዓለም ንመበል 67 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 33 ግዘ ብጉዕዞ እግሪን ካልኦት ኩነታትን ተኸቢሩ።

ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም ኢትዮጵያ ዮሃንስ ተኽላይ፥ ቋንቋ ምልክት ሕጋዊ ኣፍልጦ ንክወሃቦ ሓቲቶም።

ምስማዕ ዝተስኣኖም ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ምስ ካልኦት ማሕበረሰባት ማዕረ ተሳትፎ ንክህልዎም ምልክት ቋንቋ ብግቡእ ምምዕባል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ እቲ ቋንቋ ብማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ተሓቚፉ ኣብ ስራሕ ምውዓል ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ምስማዕ ዝተስኣኖም ወገናት ናይ ምምሃር፣ ምስራሕን መሰሎም ክሕለወሎምን ኣብ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ዝነቕሐ ተሳትፎ ምግባር ከምዝግበኦምን ገሊፆም።

ብናትናኤል ሽፈራው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment